ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ብተሳትፎ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ተመሃሮን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ሰፊሕ ወፈራታት ዓጺድ ይካየድ ኣሎ።
ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ምሕረቱ ኣርኣያ፡ ሎም-ዘበን ክራማት 14 ሽሕ ሄክታር ከምእተዘርአን፡ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ጽቡቕ ከምዝፈረየን ብምሕባር፡ ንምእካቡ ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ፡ ንኣስታት ወርሒ ዝቐጸለ ወፈራታት ይሰላሰል ከምዘሎ ገሊጹ።