“ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ብ21 ሕዳር ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣ’ደውሓ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፡ ብ23 ሕዳር ተዛዚሙ።
እዚ ንሰለስተ መዓልትታት ዝቐጸለ ዓመታዊ ፈስቲቫል፡ ዝተፈላለየ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታትን፡ ሰሚናር ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ዝሓቘፈ ነይሩ።
ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ቐጠር፡ ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ፡ ብ23 ሕዳር ንተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዞባና ተራእዩ ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታትን ናይ ሽርክነት መንፈስን፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ከፊትዎ ኣብ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መዋእል ብልምዓት ንምድርዑ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣበጋጊሱ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዜጋታት ኣብ’ቲ ተራሕዩ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።
ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ ቐጠር፡ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ብዘቕረበቶ መሰናድኦታት ደሚቑ ቀንዩ።