ብቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፡ ትማሊ 25 ሕዳር ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ስ/ ታ እ ዛ ዝ ኣ ብ ር ሃ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ባይቶ ሚኒስተራት፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚኒስተር መጐዓዝያን ትሕተቅርጽን፡ ሚኒስተር ላዕለዋይ ትምህርትን ስነፍልጠታዊ ምርምርን ዘጠቓልል ልኡኽ፡ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ፡ ኣብ ኣዳራሽ-ሃገር ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ኣብ ምዕዛዝ ኩሉ-መዳያዊ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን፡ ምዕባለታት ሱዳንን ገስጋሱን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘትዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክን ኣብ ዘካየድዎ ተወሳኺ ርክብ፡ ኣብ’ዚ ሱዳን ብተኣፋፊ መድረኽ ትሓልፈሉ ዘላ ኣገዳሲ ናይ መሰጋገሪ እዋን፡ ክልቲአን ሃገራት ምትሕግጋዘንን ሽርክነተንን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከበርኻ ተሰማሚዖም።

እቲ ስምምዕ፡ ንቊጠባዊ፡ ትምህርታዊ፡ ጥዕናዊ፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ጉዳያት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታትን ሃገራትን ዝጸንሐ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ዝምድና ንምድልዳልን ንምዕዛዝን ዝዓለመ እዩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ፈታኒ እዋን ንህዝቢ ሱዳንን ሱዳናውያን ተቓለስትን ዝሃበቶ ጽኑዕ ደገፍ ኣመስጊኑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን ካብ ሓፈሻዊ ስምምዕ ናብ ዝርዝራውን ጭቡጥን ስምምዓትን መደባትን ክሰጋጋር ምእንቲ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ቀጻሊ ስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ንኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕላማ ዑደቱ ነቲ ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ዝተሰረተ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ናብ ሓድሽ መድረኽ ምትሕግጋዝ ንምስግጋሩ ምዃኑ ብምሕባር፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ሰብ-መዚ ኤርትራን ዝገበሮ ዑደት ነዚ ዘገልግል ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ዛዚሙ፡ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ካብ 14 ክሳብ 16 መስከረም 2019 ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ ምስ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ሱዳን ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክን ተራኺቡ፡ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጠ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብ21 ነሓሰ 2019 እዩ ኣብ ታሪኽ ሱዳን መበል 15 ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

Categories