በዓል-መዚ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣፍልጦን ተሳታፍነትን ህዝቢ ኣብ ምሕደራ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ዝያዳ ንምብራኽ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ርክባት የካይድ ኣሎ።

እቲ ካብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ መደብ፡ ብቐንዱ ሜላታት ኣተዓቓቕባ ኣግራብ ንምስራጽ፡ ከምኡ’ውን ጠንቂታት ምብራስ ኣግራብን ንምግታኡ ክግበር ዘለዎ ጻዕሪን ንምግላጽ እዩ።

ብርሰት ኣግራብ፡ ቀንዲ ምኽንያት ምጉዳል ሽፋን ባህርያዊ ብቚሊ ብምዃን፡ ፍግረ መሬት ስለዘስዓበ፡ ዝውሰዱ ዝነበሩ ስጉምታት ድማ ብዓይኒ ህዝቢ ኣዕገብቲ ስለዘይነበሩ፡ ኣብ 2019 ሓድሽ መምርሒ ብምኽታልን ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባርን ተሪር ስጒምቲ ክውሰድ ከምእተጀመረ፡ ስለ’ዚ ድማ – እቲ ኣሰካፊ ተርእዮ ኣዝዩ ከምዝነከየ፡ ሓላፊ በዓል-መዚ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ደበሳይ ወልዳይ ሓቢሩ።

ንንግዳዊ መዓላ፡ ንውራያትን ጥሪትን ተባሂሎም ብሕቡእ ብጥሉሎም እናተቘርጹ፡ ኣብ በረኻታት ነቒጾም ንከተማታት ዝኣትዉ፣ ንዳንዳ፡ ሓጹርን ኣባይትን ዝቑረጹ. . . እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ምብራስ ኣግራብ ኮይኖም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ነዚ ንምግታእ ዓድታት ተራአን ክጻወታ ኣተሓሳሲቡ።

 

Categories