ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተርያ መድሃኒታት፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪታት ጥዕናን ሕርሻን ካብ 25 ክሳብ 30 ሕዳር ኣብ መላእ ሃገር ክካየድ’ዩ።
ዕላማን ኣገዳስነትን ናይ’ቲ ቅነ፡ ተጻዋርነት መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ኣህጉራዊ ኣተኲሮ ከምዝረክብ ንምግባር፡ ብርትዓዊ ኣጠቓቕማ መድሃኒታት ጸረባክተርያ ፈዋስነቶም ንምዕቃብ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ንምዕባይ፡ ተራ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ሕርሻን ተገልገልትን ኣብ ምብዳህ ተጻዋርነት መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ምዕዛዝን ናይ ባህሪ ለውጢ ምትብባዕን ከምዘጠቓልል፡ ወደብቲ ናይቲ ቅነ ሓቢሮም።
ኣሞክስስሊን፡ ባክትሪም፡ ሲፕሮፍሎክሳሲን፡ ዶክሲሳይክሊን፡ ኢሪትሮማይሲን፡ ሜትሮኒዳዞል፡ ፐንስሊንን ለሽለሽን ዘጠቓልሉ መድሃኒታት ጸረባክተርያ፡ ብመልክዕ ከኒና፡ ሽሮፖ፡ ልኽዮ፡ መርፍእን ካልእን ዝወሃቡ ምዃኖም ዝጠቐሱ’ቶም ወደብቲ፡ ቅድሚ’ዞም ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ጻዕሪን ምርምርን ዓቢ እፎይታ ፈጢሮም ዘለዉ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ምርካቦም፡ ከም ውጽኣት፡ ሸሮኽ፡ በዲዶ፡ ዓባይሰዓል ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ረኽስታት ከምኡ’ውን እዞም ሕጂ ብኽታበት ክንከላኸሎም ክኢልና ዘለና ሕማማት፡ ቀተልቲ ምንባሮም ኣረዲኦም።