ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ንኤርትራውያን ተሳተፍቲ መበል 22 ዓመታዊ ፈስቲቫል ሪያድን ከባቢኣን – ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መንግስቲ ኣበጋጊስዎ ዘሎ ዓበይቲ መደባት ልምዓትን፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ምዕባለታት ዘተኰረ ሰሚናር ብ22 ሕዳር ኣካዪዱ።
ድሕሪ’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተስፋ ዝህብ ሃዋህው ሽርክነትን ውህደትን ተፈጢሩ ከምዘሎ ብሰፊሑ ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምሕያልን ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ብልጽግናን ንምውሓስን ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶታት ብምክያድ፡ ንሓባራዊ ዕብየት ዘገልግል ንጥፈታት ኣብ ምስልሳል ከምዝርከብ ገሊጹ።
ቁጠባ ሃገር ንምሕዋይ’ውን፡ ኣብ ትሕትን ልዕልን ቅርጺ፡ ሕርሻ፡ ምስናዕን ካልእ ጽላታትን ኣድሂቡ ዓበይቲ ናይ ልምዓት መደባት ይትግበር ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ብምዃኑ፡ ልዑል ኣተኵሮ ተዋሂቡዎ ዓቢ ወፍሪ ይግበረሉ ምህላዉ ኣረዲኡ።
ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምድራዕ፡ ኩሉመዳያዊ ዓቕሚታት ብምድላብ እጃሞም ከበርክቱ ዘዘኻኸረ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መንግስቲ ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ ናይ ወፍሪ ዕድላት ኣርሕዩ ምህላዉ ብዝርዝር ብምግላጽ፡ ግዱሳት ወገናት ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ ኣብ ዘርብሖም ጽላት ወፍሪ ክገብሩ ዓዲሙ።
ብረቡዕ 20 ሕዳር ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን፡ ትማሊ ቀዳም 23 ሕዳር ኣማስያኡ ተዛዚሙ’ሎ።