ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ነበርቲ ኡትሪኽትን ሮተርዳምን – ሆላንድ፣ ስቶክሆልምን ከባቢኣን – ሽወደን፣ ሻርሎት፡ ዋሽንግቶን-ዲሲ፡ ዳላስ፡ ኒውኦርሊንስ፡ ህዩስተንን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ደማምን ከባቢኣን – ስዑዲዓረብ፣ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ-ሱዳን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያትን – ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ዘትዩ።
ብ17ን 18ን ሕዳር ኣብ ዝተገብረ ርክባት፡ ገስጋስ ናይ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ኣብ ሱዳን ዑደት ኣብ ዘካየደሉ ዝተበጽሐ ስምምዓት፡ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን፡ ከምኡ’ውን ኩነታት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ብሰፊሕ ተዘሪቡሉ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ነጋሲ ካሳ ድማ፡ ኣብ ከተማ ኡትሪኽትን ከባቢኣን ንዝነብሩ ኤርትራውያን ሰሚናር ሂቡ። መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ቀዳምነት ዝህብ ናይ ወፍሪ ዕድላት የበጋግስ ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ተረባሒ ክኸውን ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ክንቀሳቐስ ኣተባቢዑ።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲነቭያ፡ ኣቶ ዮናስ ማና እውን፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልምን ከባቢኣን፡ ተመሳሳሊ ሰሚናር ኣካዪዱ።
ኤርትራ፡ ንወፍሪ ዘተባብዕ ሰፊሕ ዕድላት ኣርሕያ ከምዘላ ብምሕባር፡ ዜጋታት ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ – ንነብሶም ረቢሖም ሕብረተ-ሰቦም ክኾኑ ምእንቲ፡ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።
ብተመሳሳሊ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሻርሎትን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ተኣትዩ ዘሎ መድረኽን ዘትዮም።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕ.መ.ኣ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ብምውሓስ መደባት ልምዓት ንምድንፋዕ፡ ዜጋታት በብዓቕሞምን ሞያኦምን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።
ሃማደኤ ጨንፈር ደማምን ከባቢኣን – ስዑዲ-ዓረብ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤልን ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄርን ኣብ ዝተረኸባሉ፡ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ብድምቀት ጸምቢለን።
ኣባላት ሃማደኤ ከተማ ሮተርዳምን ከባቢኣን – ሆላንድ ኣብ ዘካየድኦ ተመሳሳሊ ጽምብል፡
ቆንስል ኤርትራ ኣቶ ሰለሞን መሓሪ፡ ታሪኽ 40 ዓመት ሃማደኤ ኣካል ናይ’ቲ ብትእምርትታት ዝመልአ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን-ዲሲ፡ ዳላስ፡ ኒውኦርሊንስ፡ ህዩስተንን ቴክሳስን – ሕ.መ.ኣ. እውን፡ ብስእላዊ ምርኢትን ባህላዊ መሰናድኦታትን ዝደመቐ ተመሳሳሊ ጽምብል ኣካዪዶም።
ኣብ ካልእ ንጥፈታት፡ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባ ‘ምሕደራ ግዜ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንመንእሰያት ኣባላት ኣስተምህሮ ወዲቡ።
ሓላፊ ኮማዊ ጉዳያት መንእሰይ ፉኣድ መሓመድ፡ እቲ ኣስተምህሮ – ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ግዜኦም ብግቡእ ክጥቀሙሉ ዝዓለመ ምንባሩ ገሊጹ።