ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ሞያውን ቊጠባውን ዓቕሚታት ደቂኣንስትዮ ክብ ንምባል ዘካይዶ ጻዕሪ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብስራሓት ዕንቊን ላኻን ዘሰልጠነን 20 ደቂ-ኣንስትዮ ኣመሪቑ።

ሓላፊት ናይ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ወ/ሮ ፋጥና ሓምድ፡ ረኺበናኦ ብዘለዋ ዕድል ቁጠባዊ ኩነታተን ከመሓይሻ ብምዝኽኻር፡ ንኣድማዒ ስራሕ ብጉጅለ ክነጥፋ ተላብያ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ወ/ሮ ጅምዓ ራኪ ድማ፡ እተን ደቂ-ኣንስትዮ ብዝቐሰመኦ ሞያ መነባብሮአን ንምምሕያሽ ኣብ ዘካይድኦ ጻዕሪ፡ ማሕበር ኣብ ጐድነን ከምዘሎ ኣረጋጊጻትለን።

Categories