ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን – ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ፡ “ብጽንዓት ልኡላውነት ኣውሒስና፡ ብጽንዓት ሃገርና ከነልምዕ ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብ20 ሕዳር ብውዕዉዕ መንፈስ ተኸፊቱ።
ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል እውን ዝተሳተፈቶ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ንባህልን ኣነባብራን ብሄራትና ዘንጸባርቕ ምርኢት፡ ንጥንታዊ ኣርትዴኮ ህንጻታት ኣስመራ ዝገልጽ ስእልታት፡ ብተመሃሮ ኣህጉራዊ ቤት-ትምህርቲ ማሕበረ-ኮም ርያድን ከባቢኣን ዝተዳለወ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ከምኡ’ውን ባህላዊ መሰናድኦታት ቀሪቡ።
ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ፡ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር፡ ፈስቲቫል – ዜጋታት ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ብቐረባ ዝመያየጡሉን ባህሎም ዘስተማቕሩሉን፡ ምስ ሓደስቲ ወለዶታት ዘላልዩሉ መድረኽ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ምዃኑ ገሊጻ።
ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ምስ’ቲ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ሰፊኑ ዘሎ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ሃዋህውን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣበጋጊሱዎ ዘሎ ዓበይቲ መደባት ልምዓትን ይካየድ ምህላዉ ብምዝኽኻር ከኣ፡ ዜጋታት ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ ኣብ’ቲ ዘድምዑሉ ጽላት ወፍሪ ክሳተፉ ኣተባቢዓ።
ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኢማም፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ምስ ዝኽሪ 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ምክያዱ፡ ዝያዳ ድምቀት ከምዝረኸበ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራታት 8ይን 12ን ክፍሊ ብሉጽ ነጥቢ ንዘመዝገቡን፡ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ንዝተዓወቱን ሽልማት ተዓዲሉ።
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን፡ ክሳብ 23 ሕዳር ብዝተፈላለዩ መደባት ክቕጽል እዩ።