ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ-2019 ምስ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ዝወደቦ ስልጠናታት ንምግምጋም፡ ብ20 ሕዳር ርክብ ወዲቡ።
ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተራት ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣካላትን ምምሕዳራትን፡ ስፖርተኛታት – ኣስታት 450 ሰባት ተረኺቦም ነይሮም።
ንኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ – ዳይረክተር ቤትጽሕፈት ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኣቶ መኮነን ጐይትኦም፡ ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ምስ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ብምትሕብባር ዝወደቦ – ስልጠናታት ኵዕሶ እግሪ፡ ኵዕሶ ሰኪዐትን ባድሜንተንን ብዓወት ከምእተዛዘመ ሓቢሩ። እቲ ስልጠና፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ምዃኑ ድማ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 158 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣርባዕተ ስልጠናታት ኣብ ኤርትራ ከምእተዋህበ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ እውን ኣብ መዳያት ጥዕና፡ ስፖርት፡ ምህንድስና፡ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳን ካልኦትን 10 ስልጠናታት ከምእተወደቡ፣ ገለ ካብዚኦም ድሮ ዝተዛዘሙ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ዓመት ክዛዘሙ ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጹ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓጸርቲ ስልጠናታትን ተመኵሮ ናይ ምልውዋጥ መደባትን ክቕጽሉ ምዃኖም እውን ኣረጋጊጹ።