ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብ15 ሕዳር፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2018/2019፡ ኣብ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ናይ ዘሰላሰሎ ንጥፈታት ገምጋም ኣካዪዱ።

ካብ 24 ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ኣስታት 120 መማህራን ኣብ ዝተሳተፍዎ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ገብረዝጊኣብሄር ተወልደ፡ እቲ ገምጋም፡ ኣብ ቀጻሊ ምምሕያሽ ዘድልዮም ሃጓፋት ብምልላይ ንምእራሞም ከምዝሕግዝ ገሊጹ።

ሓላፊ ኣካል ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን መምህር ከሰተ ተኽለ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ዝተተግበሩ ዓበይቲ መደባት፡ ብመንጽር እወታውን ኣሉታውን ጐድንታቶም ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ምንጪ ንጥፈታት ስፖርትን ባህልን ምዃነን ጠቒሱ፡ ኣብ ንሓድሕደን ዘካይዳኦ ውድድራት ኣብ ተመሃሮ ሓያል ስምዒት ዝቕስቅስን ብቕዓት ዝሃንጽን ምዃኑ ኣረዲኡ። ኮሚተ ወለድን ምምሕዳርን ንምዕዋቱ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ድማ ተላብዩ።

ዝተማልአ ሜዳን ብስፖርትን ባህልን ዝሰልጠኑ መማህራንን ዘይምህላው፡ ድኰና ኣብያተ-ትምህርቲ ንሜዳ ስፖርት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምዃኑ፡ ዋሕዲ መጻሕፍቲ ስፖርትን መሳርሒታት ሙዚቃን፡ ከምኡ’ውን ስልጠናታት ዘይምውዳብ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም፡ መምህር ከሰተ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ስልጠናታት ብቐጻሊ ክውደብ፡ ኣብ ምህናጽ ሜዳታት ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣድላዪ ምትሕብባር ክገብር፡ ዓይኒምድሪ ዘይብለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክስራሓለን፡ ዕዉታት ተመሃሮ ክተባብዑ፡ ዕቑር ክእለት ተመሃሮ ብግቡእ ክፍተሽን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑሉ ባይታ ክፍጠረሎምን ዝብሉ ለበዋታት ሓሊፎም።

Categories