ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም፡ ገዳርፍ፡ ከሰላን ፖርት-ሱዳንን – ሱዳን፣ ሚላኖ – ኢጣልያ፣ ሸሞንተ ከተማታት ደቡባዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ – ዝተፈላለየ መደባት ኣሰላሲሎም።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዞባታት ከሰላ፡ ገዳርፍን ፖርት-ሱዳንን፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና፡ ምዕባለታት ዞባናን ዓለምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገስጋስ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ሰፊሕ ሰሚናር ኣካዪዱ።
ኣቶ ኢብራሂም፡ ከም ወትሩ ሓድነትናን ውዳቤታትናን ብምስጣም፡ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ልምዓት ብናህሪ ክንቅጽሎ ኣዘኻኺሩ።
ኣቶ ኢብራሂም ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዞባታት ካርቱም፡ ከሰላን ፖርትሱዳንን ንዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራውያን በጺሑን ምስ ኣካየድተን ተዘራሪቡን።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱምን ከባቢኣን ምስ ማሕበር ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ብምትሕብባር ዝወደቦ ቅነ ኤርትራን ሱዳንን፡ ካብ 14 ክሳብ 19 ጥቅምቲ ተኻዪዱ።
እቲ ቅነ፡ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ንምሕያል ዝዓለመ ዓውደዘተ፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ስእላዊን ባህላዊን ምርኢትን ዝሓዘ ነይሩ።
ሃማደኤ ጨንፈር ሚላኖ፡ ብ10 ሕዳር ጉባኤ ብምቅናዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ናይ ዝተኻየደ ስራሓት ገምጋም ድሕሪ ምክያድ፡ ንዝመጽእ ክልታ ዓመታት እትመርሕ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ።
ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ሻርሎት፡ ራሊ፡ ኣትላንታ፡ ጃክሰንቪል፡ ታምፓ፡ ማያሚ፡ ናሽቪልን ኦርላንዶን – ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ብ9 ሕዳር ኣብ ከተማ ሻርሎት – ኖርዝ ካሮላይና ጸምቢሎም።
ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብ’ቲ ዞባ ወይዘሮ ወይኒ ዮውሃንስ፡ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ካብ ቃልሲ ንናጽነት ኣትሒዛ ብእተርእዮ ዘላ ማዕርነታዊ ተሳታፍነት፡ ወትሩ ሓበን ሃገራ ምዃና ገሊጻ።
ኤርትራውያን ነበርቲ ሚቺጋን እውን፡ ዝኽሪ ምምስራት ሃማደኤ፡ ብምዕሩግ ኣገባብ ከም ዝጸምበሉዎ ተፈሊጡ።