ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ብሞያታት ስነጽባቐ ጸጒሪ ርእሲ፡ ከምኡ’ውን ጥበባት ደረቕን ተንቐሳቓሲን ካሜራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ 112 መንእሰያት ተመሪቖም።

እቲ ትምህርቲ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ 69 ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፡ 43 ድማ ብደረቕን ተንቐሳቓሲን ካሜራ እዮም ሰልጢኖም።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣቶ ተስፋዝጊ ዑቕባዝጊ፡ ዓቕሚ መንእሰያት ክብ ንምባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንምሕያል፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ክተሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 4 ዓመታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ልዕሊ 600 መንእሰያት ብዝተፈላለየ ሞያታት ኣሰልጢኑ ኣሎ።

Categories