ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣፍልጦ ተመሃሮ ኣብ ሕጊ ንምብራኽ፡ ካብ ቅድመትምህርቲ ክሳብ 2ይ ደረጃ ንዝርከቡ ተመሃሮ ከተማ ባረንቱ ኣስተምህሮ ሂቡ።
እቲ ካብ 22 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 5 ሕዳር – ንልዕሊ 12 ሽሕ ተመሃሮ ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ዕላማኡ – ኣብ ሕጊ ዘሎ ንቕሓት መንእሰያት ብሓፈሻ ናይ ተመሃሮን ቈልዑን ድማ ብፍላይ ብምብራኽ፡ ነብሶም ካብ በደላትን ገበናትን ሓራ ብምግባር፡ ኣብ ምክልኻሉ እጃሞም ከምዘበርክቱ ንምግባር ምዃኑ፡ ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሜጀር ሃብተ ገብሩ ገሊጹ።
ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክን ሸለልትነትን ዘኸትሎ ሳዕቤናት ከቢድ ምዃኑ ዘገንዘበ ሜጀር ሃብተ፡ ተመሃሮ ብሕግታት ትራፊክ ክምእዘዙን ንዝወሃቡ ኣስተምህሮታት ኣብ ግብሪ ከውዕሉን ኣተሓሳሲቡ።
ብደረጃ ዞባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ልዕሊ 2,660 ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ከምእተመዝገበ፡ ብሰንኩ ድማ ሂወት 12 ሰባት ከምዝሓለፈን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ንዋታዊ ክሳራ ከምዘስዓበን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
ጸሓፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ያሲን መሓመድ እውን፡ ብሰንኪ ሸለልትነትን ጥሕሰት ሕግን፡ መዓልታዊ ሓደጋታት ይኽሰቱ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ መንእሰያትን ተመሃሮን ንቕሓቶም ኣበሪኾም ኣብ ምቅላል ሓደጋታት ትራፊክ ክዋስኡ ኣዘኻኺሩ።