ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ኣልሸሪፍ ናይ 1441 ዓመተ-ሂጅሪያ፡ ሎሚ 9 ሕዳር ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ማዕርግ ተባዒሉ።
ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ካብ ሰዓት 7 ንግሆ ኣብ ሜዳ ጃምዕ ኣልኹለፋእ ኣራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና፡ ከምኡ’ውን ምእመናን ምስልምና ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ፡ ኣቦ-መንበር ጉባኤ ኣውቓፍ ከተማ ኣስመራ ኣቶ መሓመድ-ስዒድ በሽር፡ ኣብ ታሪኽ መውሊድ ኣልነቢን ኣብ ዓለም ዘምጸኦ ፍቕርን ሕውነትን ዘተኰረ መደረ ኣስሚዖም።
ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ብወገኖም፡ ነቲ ዕለትን ዝሓቘፎ ረዚን መልእኽትን ብኣብነት ኣሰንዮም ድሕሪ ምግላጽ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ ህጻናት መሰላቶም ተሓልዩ ግቡእ ክንክንን ናብዮትን ንኽረኽቡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብፈሪሃ-ፈጣሪ ተዀስኲሶም ንኽዓብዩ፡ ኣብ መዳያት ትምህርትን ብመራኸቢ ብዙሃንን ዝያዳ ክንክን ክግበረሎም ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ገሊጾም።
ሼኽ ሳልም ኣብ መወዳእታ፡ ብኣጋጣሚ ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ኣልሸሪፍ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ንሓይልታት ምክልኻሉን “ዮሃና” ኢሎም።
እቲ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ፡ ተመሃሮ ኣብያተ-ቁርኣን ከተማ ኣስመራ ብዘቕረቡዎ፡ ነቲ ብዓል ዘንጸባርቕ መዛሙር፡ ግጥምታትን ካልእ መሰናድኦታትን ተሰንዩ ነይሩ።