ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ፡ ንዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ዘራኽብ – ብጠቕላላ 134 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፡ እቲ ቀዳማይ ክፋሉ – ትማሊ 11 ሕዳር ኣብ ሓበላ ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት – ንኽስራሕ ብወግዒ ተበጊሱ።

እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ (SFECO) ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ መደብ፡ ካብ ሓበላ ክሳብ ጨዔታት ዝዝርጋሕ በዓል ክልተ መስመር እዩ። ንውሓቱ ድማ 30 ኪሎ-ሜተር።

ኣብ’ቲ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት እውን ዝተረኽበሉ ስነ-ስርዓት ቃል ዘስመዐ ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ፡ ካብ ኣስመራ ንከተማ ከረን ቈሪጹ ንዞባ ጋሽ-ባርካ ዝኣቱ ጽርግያ ጽበትን እርጋንን ስለዘለዎ፡ ንተሽከርከርቲ የጸግም ከምዘሎ ብምሕባር፡ እዚ ሕጂ ዝብገስ ዘሎ ደረጃኡ ዝሓለወ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፡ ነቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ክሳብ ኣቑርደት ዘሎ ርሕቀት ብ20 ኪሎ-ሜተር ዘጉድሎ፡ ቁጠባዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ስትራተጅያዊ መስመር ምዃኑ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ድማ፡ እቲ ፕሮጀክት መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ዘሎ ድልዱል ዝምድና ምዃኑ ገሊጹ። ነቲ ስራሕ ብኮንትራት ወሲዱዎ ዘሎ ኩባንያ ‘ስፌኮ’፡ ሰፊሕ ተሞኵሮን ብቕዓትን ዝውንን ብምዃኑ፡ ተሞኵሮኡ ነቶም ምስኡ ሓቢሮም ዝሰርሑ ኤርትራውያን ክኢላታት ከካፍልን ከቕስምን ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

ካብ ሚኒስትሪ ህንጻ ኢንጅነር ሳምሶን ተስፋይ፡ እዚ ካብ 2060 ሜተር ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ተበጊሱ፡ ናብ 910 ሜተር ዝወርድ ናይ 134 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ፡ 10 ቢንቶታት ክህልዎ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ ሚስተር ቸን ዪ ብወገኑ፡ እዚ 140 ሜተር ዝንውሓቱ ድንድል እውን ዝሓቘፈ ስራሕ፡ ንብዙሕ ኣጻድፍን ኣሸጋርን ቅርጺ-መሬት ከቃልል ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ሓበላ ክሳብ ጨዔታት ዝዝርጋሕ 30 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ፡ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ሕድገታዊ ልቓሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ።

Categories