ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ልዕሊ 5 ዓመት ንዝዕድሚኦም 27 ሽሕ ተመሃሮ ንኡስ ዞባታት ባጽዕ፡ ጊንዳዕ፡ ሽዕብን ፎሮን፡ ጸረ ሕማም ቢልሃርዝያ ክታበት ተዋሂቡዎም።

እቲ መደብ፡ ብመጽናዕቲ ኣብ’ተን ቢልሃርዝያ ክረኣየለን ዝጀመረ ንኡስ ዞባታት ከምእተተግበረ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ምክትታል ለበዳዊ ሕማማት ኣቶ ወልደየሱስ በላይ ገሊጹ።

ሕማም ቢልሃርዝያ ኣቓልቦ ዘይተዋህቦ ግን ከኣ ልዑል ጠንቂ ሕማም ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ወልደየሱስ፡ ወለዲን ተመሃሮን ንባህርን ሓደገኛነትን ናይቲ ሕማም ብግቡእ ፈሊጦም ጽሬት ከባቢኦም ከውሕሱ መኺሩ።

ነቲ ናይ ክታበት መደብ ንምዕዋት፡ 130 መምህራንን 30 ሰብ-ሞያ ጥዕናን ከምእተዋፈሩን ኣድማዒ ስራሕ ከምዝዓመሙን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Categories