ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተዳለወ፡ ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ባህላውን ስነ-ጥበባውን ብዙሕነት – ብ28ን 29ን ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ስልጠና ተወዲቡ።
እቲ ብክኢላታት ናይ’ቲ ውድብ ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ውዕል ምዕቃብን ምስሳንን ባህላዊን ስነጥበባውን ብዙሕነት፡ ኣበርክቶ ባህላዊ ኢንዱስትሪታት ኣብ ቁጠባን ምሕደራኦምን፡ ትርጉምን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ ውዕል – ምስሳንን ምዕቃብን ባህላዊ ብዙሕነትን ካልኦት ተዛመድቲ ኣርእስትታትን ዝሓዘ እዩ።
እቲ ውዕል ድማ፡ ንዓውድታት ሕትመት፡ ቅብኣ፡ ቅርጻ፡ ሙዚቃ፡ ፊልምን ድራማን፡ ፎቶግራፊ፡ ስራሓት ካይላን ካልእ ዓውድታትን የጠቓልል።
ኮሚሽነር ባህልን ስፖርት ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ መንግስቲ ሓያል ሰረት ዘለዎ ምሕደራ ባህሊ ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ክትርጉምዎን ናብ ካልኦት ከመሓላልፍዎን ኣዘኻኺሩ።
ነቲ ትምህርቲ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍሊታትን ትካላትን ዝተወከሉ 60 ሰባት ተሳቲፎምዎ።