ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 መስከረም ኣብ ቦሎኛ – ኢጣልያ ብልዑል ተሳትፎን ውዕዉዕ መንፈስን ተጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ፕረዚደንት ሃ.ማ.ደ.ኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ኣምባሳደራት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዓባይ-ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን፡ ካብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጹ ሓለፍቲ ሚሽናት፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ጨናፍር ሃ.ማ.ደ.ኤ ኣብ ኤውሮጳን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝርከቡዎም – ኣስታት 1500 ተሳተፍቲ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣደ-መንበር ሃ.ማ.ደ.ኤ ዞባ ኤውሮጳ ወ/ሮ ንግስቲ ጸጋይ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ጽምብል ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነጥፋ ኣባላት ማሕበር፡ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ብጽንዓት መኪተን ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ምብጽሐን፡ ንብራኸ ንቕሓተንን ብቕዓት ውዳበአንን ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ ቃልሲ ሃማደኤ ብሓፈሻ ኣብ ኤውሮጳ ዝተገብረ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዝሕዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ማሕበር ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ መደባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ሕብረተ-ሰባውን ሰውራውን ክብርታት ንዝተጻወቶ ተራ ሞጒሱ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ብወገና፡ ህዝባዊ ግንባር – ኣብ 1979 ኣብ ጽንኩር ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝመስረቶ ውዳበ፡ ሕጂ ድሕሪ 40 ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ኣድማዒ ንጥፈታት ከሰላስል ምርኣይ፡ ንሓድሽ ወለዶ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይበርስ ሓወልቲ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ኣብ’ቲ ናይ ዝኽሪ ጽምብል፡ ንጉዕዞ 40 ዓመታት ምምስራት ሃማደኤ ዝገልጽ ሰሚናራትን መጽናዕታዊ ወረቓቕትን ቀሪቡ።

Categories