ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ሎሚ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብጺሑ።
መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምድልዳል ሕውነታዊ ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ህንጸት መሰረት ኣድማዒ ዞባዊ ውህደትን ዘተኰረ’ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ንሰላም ሱዳን ንዝወሰዶ ተበግሶ ሞጒሱ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብወገኑ፡ ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምምስጋን፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ምዕዛዝን ዞባዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ምድንፋዕን ኣረኣእያአን ሓደ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝገብርኦ ጻዕሪ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ጸቒጡ ተዛሪቡ።
ኣብ’ቲ ትማሊ 17 መስከረም ኣብ ጁባ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ተረኺቡ ነይሩ።