ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ካብ 14 መስከረም ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 16 መስከረም ሰዓት 11፡00 ቅድሚቐትሪ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት፡ ምስ ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ – ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክን ኣባል ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዶግሎን ርክባት ኣካዪዱ።

ኣብ ሰናይ ጉርብትና ንዝተመርኰሰ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ምትሕግጋዝ ንምስግጋሩን ዝተኸስረ ዕድላት ንምኽሓስን ዘሎ ድሉውነት ብምርግጋጽ ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ምትሕብባር ንምዕዛዝን ንኣድማዒ ዞባዊ ውህደት ብሓባር ንምስራሕን ተረዳዲኦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብ15 መስከረም፡ ብኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ተሰንዩ፡ ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ትካላት በጺሑ።

ኣብ ወተሃደራዊ ትካል ‘የርሙክ’ን ትካል ሕርሻ ‘ዛድና’ን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኣቃውማአንን ፍርያተንን፡ በብዝምልከቶም ኣካላትን ክኢላታትን መብርሂ ተዋሂቡዎ።ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣጽዋርን ናውቲ ህንጻን ዘፍሪ ትካል ‘የርሙክ’ ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ሱዳን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ከምዘሎ፡ ኣብ ዞባና ከምዚ ዓይነት ትካል ምህላዉ፡ ዘድልየካ ንብረት ብቐረባ ካብ ሱዳን ንምምጻእ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ስለዝኾነ፡ ንሓባራዊ ዕብየት ኣገዳሲ ከምዝኾነ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ትካል ሕርሻ ‘ዛድና’ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሓትን እቲ ትካል ዝጥቀመሉ ቴክኖሎጂን፡ መደበራት ፈልሲ ዝተፈላለየ ዓይነት ፍረታት፡ ከምኡ’ውን መፍረ ስጋ፡ ጸባን ተምሪን ተዓዚቡን ብሞያውያን መግለጺ ተዋሂቡዎን።

መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ዑደት ኣብ ዘውጽእዎ ሽድሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ መዳያት ምክልኻል፡ ቁጠባ፡ ማሕበራውን ባህላውን፡ ጸጥታ፡ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ምትሕብባረንን ምትሕግጋዘንን ከዕዝዛ፡ ትግባረ ናይ’ዚ ስምምዕ ንምርግጋጽ ድማ፡ ላዕለዋይ ሽማግለ ክቐውም ተሰማሚዖም።

(ትሕዝቶ መግለጺ ኣብ ሳጹን ረአ)

Categories