ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ክቡር ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብላዕለዋይ ልኡኽ ተሰንዩ፡ ካብ 14 ክሳብ 15 መስከረም 2019 ኣብ ሱዳን ዕዉት ወግዓዊ ዑደት ኣካዪዱ። ኣብ’ዚ ዑደቱ ድማ፡ ምስ ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ክቡር ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ፡ ኣብ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ፖለቲካውን ጸጥታውን ጉዳያት ዘትዩ።
ኣብ’ቲ ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎን ኣብ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ሃናጺ ዝርርባት ዝተኻየደሉን ምብጻሕ፡ ኣብ ጽኑዕ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ዝተሰረተ፡ ሓቀኛ ድሌት መሪሕነት ክልቲኡ ሃገራት ንዝሰፍሐ ምትሕግጋዝ ተረጋጊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ፡ ንህዝብን መንግስትን ሱዳን ዕብየትን ብልጽግናን ድሕሪ ምምናይ፡ ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ብዓወት ከምዝሰግሩዎ ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ በዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ታሪኻዊ ምብጻሕ ዝተሰመዖ ሓጐስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ድልዱል ሰረት ዘለዎ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መድረኻት ዝጽበየን ዘሎ ዓቢ ተራን ብምርግጋጽ፡ ንጐረቤት ሃገር ኤርትራ ምዕባለን ብልጽግናን ተመንዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ታሪኻዊ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ብምብጋስን ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ሕውነታዊ ምትእስሳርን ጽቡቕ ዝምድናን፡ ንመትከላት ምኽባር ልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ምክብባርን ዘለዎም ግዴታ ብምርግጋጽን፡ ንሃገራውን ኣህጉራውን ግቡኣቶም ብዘይጻረር መንገዲ ጽኑዕ መሰረት ንክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ብምንባርን፡ ሪፓብሊክ ሱዳንን ሃገረ ኤርትራን፡ ንሰላምን ምርግጋእን ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ኣብ ኩሉ መዳያት ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን፦
1. ምትሕግጋዝ ኣብ ምክልኻልን ወተሃደራውን መዳያት። እዚ ምትሕግጋዝ እዚ፡ ንሓይልታት ምድሪ፡ ኣየር፡ ባሕሪ፡ ወተሃደራዊ መስንዕ፡ ስልጠናታትን ኣገልግሎት ጥዕናን የጠቓልል።
2. ምትሕግጋዝ ኣብ ጽላት ቁጠባ – ንግዲ፡ ሕርሻ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ኢንዱስትሪ፡ ዕደና፡ ከምኡ’ውን ሃብቲ እንስሳን ዓሳን።
3. ምትሕግጋዝ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት – ትምህርቲ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ማሕበራዊ ህንጸትን።
4. ምትሕግጋዝ ኣብ ጸጥታዊ መዳይ – ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ህንጸት ዓቕሚታት፡ ከምኡ’ውን ምክልኻል ውዱብን ዶብ-ሰገርን ገበናት።
5. ምትሕግጋዝ ኣብ መዳያት ፖለቲካን ዲፕሎማሲን፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት።
6. ዞባዊ ድሌታት ንሰላም፡ ምርግጋእን ምትሕግጋዝን ንምስማር ዘገልግል ዞባዊ ምትእኽኻብ ንምቛም ምስራሕ።
ተግባራውነት ናይ’ዚ ስምምዕ’ዚ ንምርግጋጽ፡ ብምክትታልን ደገፍን መሪሕነት ክልቲአን ሃገራት ዝነጥፍ ላዕለዋይ ሽማግለ ክቐውም መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።
ካርቱም
15 መስከረም 2019