ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ካብ ትማሊ 14 መስከረም ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ መራሕቲ’ታ ሃገር ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ዞባዊ ምዕባለታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ካልኦት ጉዳያትን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ስለ’ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ክጽበይዎ ዝጸንሑ ምብጻሕ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ድልውነት ሃገሩ ንምዕዛዝ ኩሉመዳያዊ ዝምድና ምስ ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንደገፍ ህዝቢ ሱዳን ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ፍጹም ከምዘይርስዖ ብምርግጋጽ፡ መሪሕነትን ህዝብን ሱዳን ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ጸሊም መዋእል ንምብቃዕ ብዘመዝገቡዎ ታሪኻዊ ዓወት “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ሳዕቤናት ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ዝተኸተሎ ዓንዳሪ ኣካይዳ፡ ንሱዳን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ’ቲ ዞባ ዝተንከፈ ምንባሩ ኣብሪሁ።

ክልቲኦም ወገናት ኣስዒቦም፡ ዝተኸስረ ዕድላት ንምኽሓስ ዘለዎም ድሉውነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ ቁጠባ፡ ንግዲ፡ ፖለቲካ፡ ዲፕሎማሲ፡ ጸጥታን ወተሃደራውን መዳያት ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ከዕዝዙ፡ ንኣድማዒ ዞባዊ ውህደት ድማ ብሓባር ክሰርሑ ተረዳዲኦም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ድማ፡ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ንዝተመርኰሰ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ኣልዒሎም ኣብ ዝዘተዩሉ፡ ነዚ ሕውነታዊ ዝምድና ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካውን ካልእን መዳያት ብዝግበር ምትሕግጋዝ ምድርዑ እዋኑ ከምዝኾነ ኣስፊሖም ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፡ ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሉኣላዊ ባይቶን መሰጋገሪ መንግስትን ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም ተረኺቦም ነይሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።

Categories