ማሕበር ኣነስተቲስትስ ኤርትራ፡ ካብ መላእ ሃገር ዝተወከሉ ሞያውያን ናይቲ ዓውዲ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ 14 መስከረም ኣብ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ መስራቲ ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ድሕረ-ባይታ’ቲ ሞያ ኣብ ሃገርናን ዓለምን፡ ኣገዳስነት ጥርናፈን ምቛም ማሕበርን፡ ተራ ሞያውያን ኣነስቴዝያ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝምልከት መብርሂ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ዕላማታት ማሕበር፡ ኣበርክቶ ኣነስተቲስትስ ኣብ መዳይ ጥዕናን ኣገዳስነት ዘቚምዎ ማሕበርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንድፊ ቅዋም ማሕበር ዘተ ኣካዪዶም።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ፖሊሲን ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዶክተር ብርሃነ ደብሩ፡ ንሚኒስተር ጥዕና ወኪሉ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምምስራት ማሕበር ዋላ’ኳ ደንጒዩ እንተኾነ፡ እቲ ጉባኤ ንሞያ ኣነስቴዝያ ማለት ሕክምናዊ ምድንዛዝ ናብ ሓድሽ መድረኽ ዘሰጋግር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዮሃናኡ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ብ5 ኣባላት ዝቘመት ፈጻሚት ኮሚተን ወከልቲ ኣብ ዞባታትን መሪጾም።

ኣብ’ቲ መስራቲ ጉባኤ፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ፡ ወከልቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒስትሪ ጥዕና ዝነጥፋ ሞያውያን ማሕበራት፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም ነይሮም።

ግዝያዊ ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ሚኪኤል በራኺ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሸቶታትን ተልእኾን ማሕበር፡ ምርግጋጽ ደረጅኡ ዝሓለወን ጽፈት ዘለዎን ስራሕ ኣነስቴዝያ፡ ምምዕባል ሞያዊ ክእለትን ፍልጠትን ኣባላት፡ ምርግጋጽ ህላወ መሰረታዊ ናውቲ ስራሕን ቀረባትን፡ ከምኡ’ውን ምትብባዕ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲታት ከምዘጠቓልል ኣብሪሁ።

ማሕበር ኣነስተቲስትስ ኤርትራ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሞያዊ ማሕበር’ዩ።

Categories