ኣብ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ፡ መርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ናብ ዝሓሸ ደረጃኡ ንምብጻሕን ሕጽረታት ንምምላእን፡ ሱፐርቫይዘራት፡ ርእሳነ-መማህራን፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኮሚተ ኣብያተ-ትምህርትን ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ ብ9 መስከረም ተቓኒዑ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ ኣቶ ኣብርሃም ኪዳነ፡ ጸገማት ትምህርቲ ኣለሊኻ ንምፍዋስ ክውሰዱ ዘለዎም ተበግሶታት ንምዝታይን ጠንቂ ምንቁልቋል ቁጽሪ ተማሃሮ ንምልላይን ምንባሩ ጠቒሱ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ ኣብቲ ዋዕላ ዝተለለዩ ሕጽረታትን ዘይምኽኑይ ምብኳር ካብ ትምህርትን ንምግታእ፡ መስርሕ ምጥርናፍ ዓድታት ክደፍኡሉ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ኣበያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ መምህር ሳልሕ ኣደም ድማ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ 5 ናይ ቅድመትምህርቲ፡ 11 መባእታ፡ ሓንቲ መባእታን ማእከላይን፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ እተጠቓልል ትካላት ትምህርቲ፡ ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ግዜኦም ዝሓለፎም ዜጋታት መሃይምነት ዘጥፍኡሉን ንመዛኑኦም ዘርክቡሉን ዕድል ዝኸፍታ 21 ነቑጣታት ምጥፋእ መሃይምነት፡ ሓንቲ ነቑጣ ድማ ናይ መደብ ዓርዮት ኣብ ኣገልግሎት ከምዝርከባ ሓቢሩ።

ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዕድሚኦም ዝኣኸሉ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይቀረቡ ልዕሊ 4,100 ቆልዑ ስለዘለዉ፡ ዝመሃሩሉ ባይታ ንምፍጣር ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዝሓትት ብምሕባር ድማ፡ ወለዲ ደቆም ናብ ትምህርቲ ክልእኩ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዕንቅፉ – ናይ መምሃሪ ክፍልታትን ቀረባትን ሕጽረታት ንምቅላልን፡ ቁጽሪ ናይቶም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቐርቡ ቆልዑ ንምዕባይን፡ ጻዕሪታት ክዓዝዝ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories