ህዝቢ፡ ረብሓታት ናይ ህይወት መድሕን ብዝግባእ ተገንዚቡ ክጥቀመሉ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ኣቶ ዘርኡ ወልደሚካኤል ጸዊዑ።
መድሕን ብሓፈሻ – ናይ ህይወትን ንብረትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ከምዝኽፈል ዝጠቐሰ ኣቶ ዘርኡ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት፡ ህዝቢ ረብሓታትን ኣገዳስነትን ናይ ህይወት መድሕን ብዝግባእ ብምግንዛቡ – ዝያዳ ከምዝስራሓሉ ገሊጹ። እዚ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ ዝእቶ ዓይነት መድሕን’ዚ፡ ብሃንደበት፡ ብሓደጋ ወይ ብካልእ ምኽንያት ንዘጋጥም ሞት ዝኽፈል ምዃኑ ኣረዲኡ።
ቀንዲ ዕላማ ናይ ህይወት መድሕን፡ ብፍላይ ጠወርቲ ስድራ ብሞት ምስ ዝፍለዩ፡ ነታ ስድራ ደገፍ ብምግባር ንምስላያ ምዃኑ፡ እቲ ዝውህለል ገንዘብ – ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ወፍርታት ስለዝውዕል እውን ተወሳኺ ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ኣቶ ዘርኡ፡ ዛጊት 6 ማሕበራት ብጉጅለ ናይ ህይወት መድሕን ከምዝኣተዋ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሚእታዊት ጥራይ ዘሎ ሸፈነ ናይ ህይወት መድሕን – ኣብ 2030 ናብ 75 ሚእታዊት ንምብራኹ ድማ፡ እቲ ሃገራዊ ኮርፖረሽን ጐስጓሳት የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሞት ምስ ዘጋጥም ኣብ ዘሎ ኣወሃህባ ክፍሊት ብዝምልከት ንዝለዓል ሕቶ – ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ 10 ሽሕ ናቕፋ ንእለት ከምዝኽፈል፡ ኣባላት ቦርድ ናይ’ታ ብጉጅለ ናይ ህይወት መድሕን ዝኣተወት ማሕበር ሰነዳቶም ምስ ኣቕረቡ ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት፡ ንስድራቤት መዋቲ ከምዝወሃብ ኣነጺሩ።