ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብህዝብን ሰራዊትን ዝተተግበሩ ስራሓት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣብ ምርጋእ ኣከባብን ሕርሻዊ እቶትን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮም ብምሕባር፡ ብዝሓየለ ኣወዳድባን ናህርን ንምቕጻሉ ከምዝሰርሕ፡ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ ሸኸዲን ሳልሕ፡ ህዝቢ ብጋንታታት እናተወደበ ከካይዶም ዝጸንሐ ንጥፈታት፡ ባህሊ ሓባራዊ ዕዮ ኣብ ምስራጽን እቶታውነት ሕርሻ ኣብ ምድንፋዕን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ኣረዲኡ።
ዝተበላሸዉ ፕሮጀክትታት ማይ ንምጽጋን፡ ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል፡ ዝተበታተና ዓድታት ንምጥርናፍ፡ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ ኩለን ዓድታት ንምትእትታው. . . ብዕቱብ ክስርሓሉ ምዃኑ እውን ኣብሪሁ።
ዝተሓንጸጹ መደባት ክዕወቱ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታት ውዳበ ህዝቢ ብምሕያል ብዝለዓለ ክሰርሑሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።