ኤርትራውያን ነበርቲ ማንሃይምን ሃምቡርግን-ጀርመን፡ ዝኽሪ መበል 58 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ 1 መስከረም፡ ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።
ኣብ ከተማ ማንሃይም ብ7 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ሽማግለ በዓላት ኣብ ጀርመን፡ ዶክተር ተስፋይ ዓብለሎም፡ ነቲ ቅድሚ 58 ዓመት ዝጀመረ ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ዓወት ዘብጸሐ – ሓያል ጻዕርን ርእሰ-ተኣማንነትን ህዝብን ግንባርን ምዃኑ፡ እዚ ርእሰ ተኣማንት’ዚ ናብ ደቅና ሓሊፉ ድማ፡ ዋርሳይ ልኡላውነት ሃገር ከምዘውሓሰ ጠቒሱ፡ እዚ ክብርታት’ዚ ብጥንቃቐ ክንዕቅቦ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሃምቡርግ፡ ካብ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ኣቶ ክፍሎም ጸሃየ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ 1 መስከረም 1961፡ ኣገባብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ናብ ሓድሽን ፍሉይን መድረኽ ዘሰጋገረት፡ ኣብ ታሪኽ መኸተ ወለዶታት ብሓበን እትዝከር ዕለት ምዃና ኣረዲኡ።
ኣብ ማዕርነትን ስኒትን ዝተመስረተት ሓያልን ዘይትድፈርን ሃገር ኣብ ምህናጽ ኣብ እንርከበሉ መድረኽ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁው ብመጠን‘ቲ 1 መስከረም እተሰክመና ሕድሪ፡ ኩሉ ዜጋ ንኹሉ-እንተናዊ ህንጸት ሃገር ቅሩብ ኪኸውን ድማ ኣዘኻኺሩ።