ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ዝተማልአ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ኣቶ ውኤላ መሓመድ ዓሊ፡ ካብተን ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ ትሽዓተ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ምሉእ ኣገልግሎት እትረክብ ምምሕዳር ከባቢ ርከብ ጥራይ ምዃና ገሊጹ። እተን ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ብሰንኪ ዘይጥጡሕ ጽርግያ ዝተረፈን ኣገልግሎታት ከምዘሎን፡ ጽርግያታት ንኽስራሕ ይጸዓር ምህላዉን ኣረዲኡ።

ኣብቲ ንኡስ ዞባ 3 ቅድመ-ትምህርቲ፡ 7 መባእታ፡ 3 ማእከላይ፡ ሓንቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ከምኡ’ውን 42 ነቑጣታት ትምህርቲ ንዓበይትን 10 ነቑጣ ትምህርቲ መደብ ዓርዮትን፡ ብጠቕላላ 66 ትካላት ትምህርቲ ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ወለዲ ደቆም ናብ ትምህርቲ ክልእኩን ክከታተልዎምን ተላብዩ።

ንዓበይትን 10 ነቑጣ ትምህርቲ መደብ ዓርዮትን፡ ብጠቕላላ 66 ትካላት ትምህርቲ ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ወለዲ ደቆም ናብ ትምህርቲ ክልእኩን ክከታተልዎምን ተላብዩ።

ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ካብ ኣቑርደት ንሸነኽ ሰሜን 271 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ – ሓንቲ ካብተን 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽባርካ እያ።

Categories