ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንስድራ ስዉኣት 13,785 ዩሮ፡ 4,910 ዶላር ኣመሪካን 3.580 ዶላር ካናዳን ደገፍ ገይሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ፈረንሳ፡ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣት 4,910 ዶላር ኣመሪካን 2,185 ዩሮን፡ ኤርትራውያን ማሕበረኮም ፍራንክፈርትን ከባቢኣን – ጀርመን 3,580 ዩሮ፡ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም ቩፐርታልን ከባቢኣን – ጀርመን 3,580 ዩሮ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት፣ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም ማንሃይምን ከባቢኡን – ጀርመን ንመናበይ ስድራስዉኣት 2,640 ዩሮ፡ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም ካርልስሩህ – ጀርመን ብተመሳሳሊ ንመናበይ ስድራ-ስዉኣት 1,800 ዩሮ ኣበርኪቶም።

ብዘይካ’ዚ፡ ኤርትራውያን ማሕበረኮም ሃሚቶንን ከባቢኣን – ካናዳ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 3,580 ዶላር ካናዳ ከምዘበርከቱ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣረዲኡ።

Categories