ብምኽንያት ትማሊ ተኸቢሩ ዝወዓለ በዓል ቅዱስ የውሃንስ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ኣብ ዛግር ብባህላዊ መደብ ዝማዕረገ ህዝባዊ ጽምብል ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮሞዳን ኣውልያይ፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቀርዮስ፡ ኣቦ-መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ የሱፍ ሳይቕ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃማኖትን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕዱማት ኣጋይሽ ዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም፡ መንፈሳዊ በዓላትና መግለጺ ሓድነትናን መንነትናን ምዃኖም ገሊጹ። ስነ-ጥበብ ንዝተፈላለየ ሃገራውን መንፈሳውን በዓላትናን፡ ያታውን ዘመናውን ባህልናን ዝብርብር ዓውዲ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ በዓል ድሕሪ ምምናይ ከኣ፡ ነቲ መደብ ኣብ ምዕዋት ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም ኣመስጊኑ።

እቲ መደብ፡ ጉጅለ ያታዊ ባህሊ ዞባ ማእከል ብዘቕረቡዎ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኤክስፖ-ኣስመራ ብጉጅለ ባህሊ ቀይሕ መሬት ተመሳሳሊ መደብ ቀሪቡ።

Categories