ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት፡ ብኣስታት 4.3 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጻ ሸውዓተ ራህያታት፡ ዝኣክል ማይ ከምዝኸዘና፡ ሓላፊ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ዘርኣይ ሓቢሩ።

ኣቶ ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ ወርሓት ነሓሰ ኣብ’ቲ ዞባ ጽቡቕ ዝርጋሐ ዝነበሮ ዝናብ ብምህራሙ፡ ኩለን ከዘንቲ ማያት ብሓፈሻ፡ እተን ኣብ መንደፈራ፡ ዓረዛ፡ ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲን እምኒ-ሓይሊን ዝተሃንጻ ሸውዓተ ሓደስቲ ራህያታት ድማ ብፍላይ፡ እኹል ማይ ከዋህልላ ከምዝበቕዓ ኣረዲኡ።

እተን 7 ራህያታት – ብጠቕላላ 777 ሽሕ ሜተር ኲብ ማይ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ከም ዘለወን፡ ኣብ ከባቢአን ንዝርከብ 66 ሄክታር መሬት ከልምዓን፡ ንልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ክህባን ከምዝኽእላ ገሊጹ።

ኣቶ ተኽለሃይማኖት ምስ’ዚ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ኣስታት 4 ሽሕ ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት፡ ማይ ክዖታትን መገሃጫታትን ኣድማዕቲ ናይ ከትርታትን ዛላታትን ምህናጽ ስርሓት ከምእተዓሙ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 144 ዲጋታትን 159 ራህያታትን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከባ፡ ሰነዳት ጨንፈር ምዕቃብ ሓመድን ማይን ልምዓት መስኖን ዞባ ደቡብ የመልክት።

Categories