ዓቃቤ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብምኽንያት በዓል ቅዱስ የውሃንስ ቃለ-ቡራኬ ሂቦም።

ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ ቡራኬኦም፡ ኣብ ኣመጻጽኣ ናይ’ቲ በዓል መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንምእመናን ክርስትና ድማ ብፍላይ፡ “እንቋዕ ንበዓለ ቅዱስ የውሃንስ ኣብቅዓና!” ብምባል ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቶም፡ ዘለዎ ንዘይብሉ ከማቕል ንቡርን ክቡርን ባህልና ስለዝኾነ፡ ንጽጉማት ወገናትና ክንዝክር፡ ምስ ዘኽታማትን ሽጉራትን ክንካፈል፡ ብፍቕሪ፡ ምትሕልላይን ሰናይ ግብሪን ክንከይድ. . . ዘዘኻኽር – ኣባታዊ ምኽሮም ለጊሶም።

ዓቃቤ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ረኺብናዮ ዘሎና ሰላም ምሉእ ክኾነልናን ሃገርና ዝተባረኸት ክትከውንን ብምምናይ፡ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን “ርሑስ በዓል ቅዱስ የውሃንስ” ኢሎም።

Categories