ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ-ሳዋ፡ ናይ 2019-20ን ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ – ብ2 መስከረም ጀሚራ።
ኣብ’ቲ ወግዓዊ መኽፈቲ፡ ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ርእሶም ገብረሂወት፡ ተመሃሮ ኣድህቦኦም ኣብ ትምህርቲ ብምግባር – ፍልጠት ደሊቦም ንነብሶም፡ ስድራቤታቶምን ሃገሮምን ክኾኑ ተላብዩ።
ብኣለይቶምን መማህራኖምን ዝውሃቦም ሓበሬታ ንረብሓኦም ምዃኑ ፈሊጦም፡ ብሕጉስ መንፈስ ከተግብሩዎ ድሕሪ ምምዓድ ከኣ፡ ሸቶ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ – ተማሃሮ ብልዑል ብቕዓት ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምስግጋር ምዃኑ ኣረዲኡ።
ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ጐድኒ-ጐድኒ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዝኸይድ – ሰፊሕ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት፡ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠትን ካልእ መዘናግዒ መደባትን ኣለዎ።
ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ እቲ ማእከል ስልጠና – ድሌታት ተማሃሮ ንምምላስ፡ ከም ወትሩ ጻዕርታቱ ከም ዝቕጽል ብምሕባር፡ ተማሃሮ ንጹር ዕላማ ትምህርቲ ብምሓዝ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።