ሰራሕተኛታት መንእሰያት ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወርሓዊ ሰለስተ ሚእታዊት ካብ ደሞዞም ተቖራጺ ብምምዳብ፡ ንክልተ ስድራ-ቤት ስዉኣት ይሕግዙ ኣለዉ።
ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ተስፋይ ተስፋጽዮን፡ እቶም መንእሰያት ዝወሰዱዎ ሰናይ ተበግሶ፡ መርኣያ ቅዱስ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራን ክብርታት ሰውራኡን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ምሕጋዝ ስድራ-ስዉኣት ንመንግስቲ ጥራይ ከይተሓድገ፡ ኩሉ ዜጋ ክስዕቦ ተላብዩ።
እተን ስድራ-ስዉኣት፡ ብመንግስቲ፡ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዝውሰድ ዘሎ ሰናይ ተግባር ዝስምዖም ሓበን ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቶም መንእሰያት ኣመስጊነን።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ 12 ትካላት ብዝሰርሑ መንእሰያት ዝሕገዛ 75 ስድራ ስዉኣት ኣለዋ።