ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ድገ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ውዳበ ህዝቢ ኣሐዪሉ ተሳታፍነት ንምዕዛዝ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣመሓደርቲ ምምሕዳር ከባቢታት፡ ኣነባበርቲ ዓድታት፡ ወከልቲ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን ዓበይቲ ዓድን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድገ ኣቶ ሁመድ ኤላ፡ ብዘይ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዝብገሱ መደባት ኣብ ሸቶኦም ክበጽሑ ስለዘይክእሉ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታት ንውዳበ ቀዳምነት ሂቦም ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረቡ ጸብጻባት ከምዘመልከትዎ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ሸፈነ ክታበት – ናብ 73 ሚእታዊት፡ መጠን ኣብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝሓርሳ ኣዴታት ድማ – ናብ 43 ሚእታዊት፡ ክብ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ትምህርቲ ግን፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ምንቁልቋል የርኢ ብምህላዉ፡ ዕቱብ ኣድህቦ ከምዘድልዮ ተጠቒሱ።
ኣብ ናይ ሕርሻ መሬት – 984 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 2,100 ዜጋታት ናይ ሕርሻ መሬት ከምእተዓደሉ፡ ልዕሊ 1 ሽሕ ሄክታር መሬት ብመስኖኣዊ ኣገባብ ይለምዕ ከምዘሎን፡ ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ ደሓን ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉን ተገሊጹ።