ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብ ሳዋ – ንኣባላት 33 ዙርያ ኣገራዊ ኣገልግሎት፡ መማህራን ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎን ኣለይቲ ተማሃሮን፡ ብ7ን 8ን መስከረም ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዘብርህ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣቶ ኣልኣሚን፡ ሃገራዊ ልምዓት – ብመልክዕ ምብራቓዊ ግንባር፡ ማእከላይ ግንባርን፡ ምዕራባዊ ግንባርን ተታሒዙ ይስራሓሉ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ህሉው ዞባውን ዓለማውን ኩነታት መብርሂ ሂቡ።

“ሳዋ መሬት ምውርራስ ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ እያ” ዝበለ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ኩሉ ተጻብኦታት ፈሺሉ ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም እንርከብ፡ ብዝለዓለ ውዳበ ብምግስጋስ ድማ፡ ሃገርና ብልምዓት ንምብልጻግ ዕቱብ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

መንእሰያት ፍልጠቶምን ንቕሓቶምን ብምዕባይ፡ ኣብ ኩሉ ናይ ልምዓት መደባት ብዘይተጉላባነት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ብምዝኽኻር፡ ብህዝብን ኩለን ኣካላት መንግስትን ዝካየድ ሰፊሕ ናይ ልምዓት መርሓ-ጐደና ተሓንጺጹ ምህላዉ ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ እኹል ቀረብ ማይ ዘውሕስ መደባት ምትግባር፡ መርበብ ጽርግያታት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ምስፋሕ፡ ጽገናን ህንጸትን ኣብ ወደባትን ማርሳታት ገማግም ባሕርን፡ ምውሓስ ቀረብ ኤለክትሪክ ብዝተፈላለየ መልክዓት፡ ምስ መሻርኽቲ ብምውህሃድ ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ፡ ምርግጋጽ መሰረታውያን ዝኾኑ ጽላታት ትምህርትን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ምዕባይ ኢንዱስትሪያዊ ጽላት፡ ካብ 2019 ዝጅምሩ ናይ ትግባረ መደባት ምዃኖም ዘርዚሩ።

ኣቶ ኣልኣሚን፡ ዞባዊ ሽርክነትን ርግኣትን ንምፍጣር – ኤርትራ ምስ ኩለን ናይ ዞባና ሃገራት ብውህደት ትሰርሕ ከምዘላ እውን ሓቢሩ።

Categories