ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ብኣጋጣሚ ምእዋጅ ምሉእ ሸፈነ ከባብያዊ ጽሬት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ ገሊጻ።
ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኣተባባዒ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ዝሓበረት ሚኒስተር ኣሚና፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ካብ 30 ክሳብ 50 ሚእታዊት ምንካዩ መርኣያኡ ምዃኑ ኣረዲኣ።
ኮም ዝሰረቱ ከባብያዊ ጽሬት፡ ኣብ ገጠራዊ ዓድታት የስፋሕፍሕን ዝያዳ ተቐባልነት ይረክብን ምህላዉ ዝገለጸ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ከባብያዊ ጥዕና መንእሰይ ሓጐስ ሚልክያስ፡ ህዝቢ ንዘርእዮ ዘሎ ምትሕብባር ሞጒሱ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ያቆብ እድሪስ ብወገኑ፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ 33 ዓድታትን 11 ምምሕዳራት ከባቢን ዝተሰላሰለ ጐስጓሳት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽኣ ኮሚተታት፡ ህዝባዊ ሰራዊትን ትካላት መንግስትን ስለ’ቲ ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ተሪፈን ዘለዋ ንኡሳን ዞባታት ኣሰር ናቕፋ ክስዕባ ኣዘኻኺሩ።