ሓረስቶት ምምሕዳር ከባቢ ግላስ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝዓደሎም ምሩጽ ዘርኢ ብልቱግ፡ ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ምህላዉ ሓቢሮም።

እቶም ኣብነታውያን ሓረስቶት፡ ካብ ወርሒ ሰነ ዝጀመረ ጽቡቕ ዝርጋሐ ዝነበሮ ዝናብ፡ ክሳብ መፈለምታ ወርሒ መስከረም ከምዝወቕዐ ጠቒሶም፡ ዘራእቲ እቲ ምሩጽ ዘርኢ – ኣብ ደረጃ ምሽዋት በጺሑ ምህላዉ ገሊጾም።

ምሩጽ ዘርኢ ብልቱግ፡ ቀልጢፉ ዝበጽሕ፡ ጉንቦኡ ገዚፍን ጽዑቕ እኽሊ ዝሕዝን፡ ብዙሕ ቃንጫ ዝህብ፡ ብጨራሩ ብዙሕ ዘይድፈር. . . ምዃኑ እቶም ሓረስቶት ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ግላስ ኣቶ ኣሰናይ ጴጥሮስ፡ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ብስርሖም ኣብነታውያን ሓረስቶት ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ መሻረኽቱ ብምውህሃድ ን102 ካብኣቶም ዝዓደሎ ምሩጽ ዘርኢ ብልቱግን ፉልን፡ ተዘሪኡ – ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ግላስ፡ 380 ሄክታር ብልቱግ፡ 20 ሄክታር መሸላ፡ 8 ሄክታር ፉል – ብጠቕላላ 408 ሄክታር መሬት ተዘሪኡ ምህላዉን፡ ክኢላታት ሕርሻ በብእዋኑ እናመጹ ንሓረስቶት ኣገዳሲ ምኽርን ማዕዳን ከም ዝልግሱን ሓቢሩ።

ሽዱሽተ ዓድታት ዝጠርነፈት ምምሕዳር ከባቢ ግላስ፡ 2850 ነበርቲ ኣለዉዋ።

Categories