ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ወራስ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ – ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናህያን ተራኺቡ፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካዪዱ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ትማሊ 9 መስከረም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኣቡ-ዛቢ ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምዕባለ ጽላታት ንዘሎ ዝምድናታትን ሽርክነትን ገምጊሞም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ትማሊ 9 መስከረም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኣቡ-ዛቢ ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምዕባለ ጽላታት ንዘሎ ዝምድናታትን ሽርክነትን ገምጊሞም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ፕረዚደንታዊ ጉዳያትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ – ሼኽ መንሱር ቢን ዛይድ ኣል-ናህያን ተረኺቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ፡ ብ8 መስከረም ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ፕረዚደንታዊ ጉዳያትን – ሼኽ መንሱር ቢን ዛይድ ኣልናህያንን ሚኒስተር ትምህርቲ – ዶክተር ሑሴን ኣል-ሓማዲን ብምርኻብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንዘሎ ዝምድና ንምድንፋዕ ኣብ ዘኽእል ነጥብታት ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኣቦ-መንበር መንግስታዊ ናይ ወፍሪ ትካል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ‘ሙባደላ’ – ኻልድ ኣልሙባረክ እውን ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories