ዓመታዊ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝቃናዕ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ንዞባ ጋሽ-ባርካ ብምውካል ዝቐርብ ትሕዝቶ – ዕቑር ባህላዊ ሃብትን ብዙሕነትን ናይ’ቲ ዞባ ዘንጸባርቕን ውጽኢት ዘመዝግብን ክኸውን ምእንቲ፡ ናይ ኣሰራርሓ ምትዕርራይ ክግበር ብ6 መስከረም ኣብ ዝተገበረ ገምጋም መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣቦ-መንበር ሽማግለ ብዓላት’ቲ ዞባ፡ ኣቶ እድሪስ ሳልሕ፡ ጸብጻብ ኩለን ኮሚተታት ፈስቲቫል ድሕሪ ምቕራብ፡ እቲ ዞባ፡ ኣብ ውድድራዊ ሸነኹ ከም’ቲ ዝድለ ውጽኢት እኳ እንተዘይ ኣመዝገበ፡ ብመንጽር ዕላማታት ፈስቲቫል – ብዙሕነትን ሃገራዊ ውህደትን ዘንጸባርቑ፡ ንበጻሕቲ ዘዕገቡ፡ ትልሂታትን ወግዕታትን ያታታትን ብምቕራብ፡ ንቅንያት ፈስቲቫል ዘማሞቐ ምርኢት ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ተወዳዳሪ ጥራይ ዘይኮነ ብተኸታታሊ ጎብለል ዞባታት ምንባሩ ብምዝካር፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ከምኡ ስለዘየሎ፡ ጸገማት ብዕምቆት ተፈቲሹ መሰረታዊ ፍታሕ ክግበረሉ ተማሕጺኖም።

ያታዊ ጉጅለ ባህሊ’ቲ ዞባ፡ ርኡይ ጉድለት ስለዘለዋ ዳግም ክትክለስ፡ ኣቃውማ ሽማግለ በዓላት’ቲ ዞባ ክመዓራረ፡ ኣድማዕቲ ሞያውያን ክጽንበሩዎ፡ ምስ ዘሎ ስፍሓት ብዙሕነት ብሄራትን ያታታትን ግምት ዝገበረ ባጀት ክስልዓሉ. . .ተላብዮም።

Categories