ኣብ ኩሉ ጽላታትን ከባቢታትን ክሰላሰል ዝጸንሐ ልምዓታዊ መደባት – ብናህሪ ንምስጓም፡ ውህደትን ምምልላእን ክድንፍዕ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ጸዊዑ።
ብ5 መስከረም፡ ምስ ሓለፍቲ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ኣባላት ባይቶን ሃገራውያን ማሕበራትን ናይ’ቲ ዞባ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣቶ ኣብርሃ፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን ጸጋታት ኣብ ግምት ኣትዩ፡ መንግስቲ ገዚፍ ወፍሪ ክገብረሉ ከምዝጸንሐ፡ ንትግባረ’ቶም መደባት ድማ፡ ህዝቢ፡ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን በብዝጥዕሞም ተወዲቦም ተሳታፍነቶም ከዕዝዙ ተላብዩ።
ልምዓታዊ መደባት – ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዓይነታዊ ምምሕያሽ ንምምጻእ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃ፡ ምስ ዘሎ ስግኣታት ክሊማን ምስፍሕፋሕ ምድረ-በዳነትን፡ ኣብ ምግራብን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝለዓለ ጠመተ ከምዝግበር ገሊጹ።
ኣብ መስርሕ ዝርከቡን ዝተቛረጹን ፕሮጀክትታት ንምዝዛም፡ ምስ መደባት መኸተ ልምዓት ዞባ ብምትእስሳር ክድፋኣሉ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
ተሳተፍቲ፡ ንኹለን ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላት መንግስቲ ዘወሃህድን ሽርክነት ዘማዕብልን ኣሰራርሓ ክተኣታቶ፡ ዝተወጠነ መደባት ልምዓት ክትግበር – መሳለጥያታት ክቕረብ ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።