ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ -ደንጎሎ ከምህሮም ዝጸንሐ 325 ኣባላት፡ ትማሊ 7 መስከረም ኣመሪቑ።
እዚ ካብ ጥሪ 2018 ጀሚሩ ንኣዘዝትን ስታፋትን ዝተዋህበ ስልጠናታት፡ ብ21 ዓውድታት ኮይኑ፡ ምሕደራ ጸጋ-ሰብ፡ ንብረትን ፕሮጀክትን፡ ቶፖግራፍያዊ ካርታን ኖቲካል ናቪጌሽንን ቻርትን፡ ስ/ ኣ ቤ ል በ ረ ኸ ት ጂፒኤስን ራዳርን፡ ምድላው ጀላቡን መራኽብን ንስርሒታት፡ ምሕደራ መራኽብን ጀላቡን፡ ስረት ኣብ ባሕሪ እለሻን ድሕነትን፡ ከምኡ’ውን ቋንቋ ዓረብን እንግሊዝን ካልእ ምስ’ቲ ሞያ ዝኸይድ ዓውድታትን ዘጠቓለለ እዩ።
ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ እገዳ ይለዓል እምበር – ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ናይ ኤርትራ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ፡ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻትን ቁርቁስ ሓያላን ሓይልታትን ኣብዚ ከባቢ ክሳብ ዘሎ ክቕጽል ምዃኑ ኣገንዚቡ።
በዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ሰላም ኣንፈት ከይተዛነና፡ ተፈጢሩ ንዘሎ ናይ ሰላም መድረኽ ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒምና ብዝለዓለ ደረጃ ክንሰርሕ፡ ክንመሃርን ክንውደብን መድረኻዊ ሓላፍነት ከምዘሎና እውን ኣስሚሩሉ።
ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኮሎኔል መልኣከ ተኽለማርያም ድማ፡ እዞም ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎም ኣባላት፡ ኣገዳስነቱ ተራእዩ እዋናዊ ስነ-ፍልጠታዊ ትምህርቲ ከም እተዋህቦም ብምሕባር፡ ድምር ፍልጠቶምን ተመኩሮኦምን ናብ ግብራዊ ስራሕ ክትርጐም ልዑል ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣዘኻኺሩ።
ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይሊ ባሕሪ ካፕቴን ኤፍሬም ተስፋይ ብወገኑ፡ እቲ ስልጠና ብቐንዱ፡ ወተሃደራዊ ብቕዓትን ድልውነትን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንምብራኽን ኣብ መንጎ ኣባላት ተመኩሮ ናይ ምልውዋጥ ባይታ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምንባሩ ሓቢሩ።
ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም።