ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ (ሃ.ኮ.መ.ኤ) ኣቶ ዘርኡ ወልደሚካኤል፡ ትማሊ 6 መስከረም፡ ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ብጉጅለ ዝእቶ ናይ ሂወት መድሕን ኣስተምህሮ ሂቡ።
ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ሚድያ ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣቶ ዘርኡ፡ ናይ ሂወት መድሕን ብዓለም ደረጃ ሓደ ካብ’ቶም ልዑል ኣቓልቦን ወፍርን ዝግበረሎም ዓይነታት መድሕን ከምዝኾነ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ፡ ኣብ ግዜ ሞት፡ ሕማምን እርጋንን ንዘጋጥም ናይ ቊጠባ ጸገማት ንምቅላል ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝቘማ ናይ ምትሕግጋዝ ጉጅለታት፡ ውሕስነት ክፈጥራን ኣብ ግዜ ሕማም ይኹን ድሕሪ ሞት ንዘጋጥም ማሕበረ-ቊጠባዊ ሃጓፋት ከቃልላን ምጽንሐን፡ ብእወታ ዝጥመት ምዃኑ፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ግን – ክመጽእ ምስ ዝኽእል ማሕበረቊጠባዊ ለውጥታት፡ ቀጻልነቱ ውሑስ ከምዘይከውን ኣገንዚቡ።
ብስራሕ ይኹን ብኻልእ መገዲ ዝተኣከበ ብዝሒ ሰብ ዘለዎ ኣሃዱ፡ ብጉጅለ ናይ ሂወት መድሕን ምስ ዝኣቱ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ሞት – ቊጠባዊ ሕጽረት ስድራ-ቤት ንምቅላል ሓጋዚ ከምዝኾነ፡ ኣብ’ዚ ድማ እቲ ገንዘብ ናይ ምእካብን ምምሕዳርን ሓላፍነት ዝወሰደ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ዋሕስ ምዃኑ ኣረዲኡ።