ኤርትራውያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን – ስዑዲ-ዓረብ፡ 1 መስከረም መበል 58 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብድምቀት ጸምቢሎም።
ኣብ’ቲ ብ29 ነሓሰ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን ኣቶ ዓብዱራሕማን ኢማም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ትርጒምን ርዝነትን ዘለዋ ዕለት ምዃና ኣረዲኡ። ናይ ሎሚ ዓመት ድማ፡ ተረኪብናዮ ዘሎና ናጻ ሃገር፡ ልኡላውነትን ራህዋን፡ ናብ ቀጻሊ ወለዶታት ንኸነሰጋግር መብጽዓና እነሐድሰላ ምዃና ኣዘኻኺሩ።
ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር፡ ን24 ግንቦት ዝወለደት ባሕቲ መስከረም – ዓመት መጸ ብልዑል ሓበን ከምእትዝከር፡ መብጽዓኣ ተተግቢሩ፡ ብጀጋኑ ደቃ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ከምእተረጋገጸት ኣረዲኣ።
ዛጊት፡ ምስ’ቲ ኩሉ ዓይነት ብድሆታት ዝተረጋገጸ መደባት ልምዓት፡ ኣብ መጻኢ – እንታይ ክስራሕ ከምዝከኣል ኣንፋቲ ምዃኑ ዝጠቐሰት ወይዘሮ ወይኒ፡ ዜጋታት ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም፡ ሓድነቶምን ጥምረቶምን ኣትሪሮም፡ ጉዳያቶም ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሰንደቕ ከደንፍዑ ተላብያ።
እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ህጻናት ብዘቕረቡዎ ሃገራውን ሰውራውን ደርፍታት፡ ከምኡ’ውን ግጥምታትን ካልእ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ደሚቑ ነይሩ።