ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብመንጽር ዝርጋሐ ትካላት ትምህርቲ፡ ተሳታፍነት ናይቶም ዕድመኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ቈልዑ፡ ከምቲ ዝድለ ከምዘየሎ፡ ብ28ን 29ን ነሓሰ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ሓላፊ ትምህርቲ ናይ’ቲ ዞባ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2018/2019፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንዝተራእየ ብልጫታትን ድኻማትን ዘነጽር ብኣሃዛዊ መረዳእታ ዝተሰነየ መብርሂ ሂቡ።

ብደረጃ ዞባ፡ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 516 ትካላት ትምህርቲ ከምዘለዋ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ትምህርቲ ካብ ዝርከብ ነባሪ ግን፡ ኣስታት 130 ሽሕ ቈልዑ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ይሳተፉ ከምዘየለዉ፡ ዝጠቐሰ መምህር መሓመድ-ዓሊ፡ ምምሕዳራት ነዚ ብድሆ’ዚ ኣብ ምእራም ምትሕብባሮም ከዕዝዙ ጸዊዑ።

Categories