ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ናጻ ኣገልግሎት ክህቡ ዝጸንሑ 15 ቻይናውያን ሞያውያን ጥዕና፡ ናይ ሓደ ዓመት ኣገልግሎቶም ዛዚሞም መፋነዊ ስነ-ስርዓት ተኻዪዱሎም።
ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል እምባሶርያ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴንን ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ያንግ ዚጋንግን ዝርከቡዎም ዕዱማትን ሞያውያንን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ዝፋነዉ ዝትክኡ 18 ሞያውያን ተረኺቦም ነይሮም።
ሚኒስተር ኣሚና፡ እቲ ቻይናውያን ክኢላታት ጥዕና ኣብ ኤርትራ መጺኦም ዝህቡዎ ናጻ ኣገልግሎት፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዝፋነዉ ዘለዉ ኣባላት መበል 12 ጉጅለ ሓካይም – ጽቡቕ ጉዕዞ፡ ንተካእቶም ኣባላት መበል 13 ጉጅለ ድማ – “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ኢላ።
ካብ 1997 ጀሚሮም፡ ልዕሊ 200 ቻይናውያን ዶክተራትን ካልኦት ሞያውያን ጥዕናን ናብ ኤርትራ መጺኦም – ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝሃቡ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ያንግ ዚጋንግ ብወገኑ፡ እዚ ን22 ዓመታት ዝቐጸለ መደብ፡ መግለጺ ናይ’ቲ ጥቡቕ ክልተኣዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ከምዝኾነ ሓቢሩ።
እቶም ኣብ ኤርትራ ናይ ልዕሊ ሓደ ዓመት ናጻ ኣገልግሎት ዛዚሞም ዝተፋነዉ ሞያውያን ጥዕና፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት፡ ኣብ መብጣሕቲ፡ ኣኩፓንክቸር፡ ፍወሳ ውሽጣዊ ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ናይ መትኒን ካልእን ሕክምናዊ መዳያት ክነጥፉ ዝጸንሑ እዮም።