ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ ትምህርቲ ዘተኰረ ናይ 10 መዓልታት ስልጠና ሂቡ።

ኣብ’ቲ ካብ 12 ክሳብ 22 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ካብ ማእከል ቴክኒካዊ ትምህርቲ፡ ማእከል ሞያዊ ስልጠና፡ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝተዋጽኡ፡ 8 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 30 ኣባላት ተሳቲፎም።

ነቲ ስልጠና ዝሃቡ ዶክተር ሃይለ ንጉሰን መምህር መስፍን መሓሪን፡ እቲ ዕላማ – ብሓፈሻ ንዝጸንሐ ምሕደራ ትምህርቲ ንምሕያል፡ ኣብ ምድላው ካሪክለም ዝያዳ ኣተኵሮ ንምግባር፡ ከምኡ ድማ ካብ ውጥን ክሳብ ትግባረ ስራሕ ንዝህሉ መሳልልን ዝሓቶ ምሕደራን ንምውርጻጽን ንምስራጽን ምዃኑ ሓቢሮም።

ሰልጠንቲ፡ እቲ ተመኵሮ ካልኦት ሃገራት ኣብ ምሕደራ እውን ዝሓቘፈ ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሖም ሓጋዚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣብ መዛዘሚ፡ ሰልጠንቲ ካብ ኢድ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም።

 

Categories