“ባህሊ ጽንዓት ብጽንዓት” ብዝብል ቴማ ካብ 16 ነሓሰ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ክካየድ ዝቐነየ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2019፡ ትማሊ 22 ነሓሰ ብዝተኻየደ ውዕዉዕ ጽምብል ተዛዚሙ።
ኣብ’ዚ ንሸውዓተ መዓልታት ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ዞባታት ዘለወን ባህርያዊ ጸጋታት ዘንጸባረቓሉ ኣዳራሽ ምርኢት፡ ነጋድያን ምስ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ዝተላለዩሉ ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን፡ ድኰና ኣባይትን ዕለታዊ መነባብሮ ብሄራትን ዝቐረበሉ ቁሸት፡ ስነጥበባዊ ውድድራት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ምርኢት ቅርጻን ቅብኣን፡ መደባት ኣፋዊ ያታ፡ ምርኢት ፍርያት ትካላት፡ ደምበ ህጻናት፡ ማእከል ትምህርትን ዳህሳስን፡ ከምኡ’ውን ምርኢትን መሸጣን መጽሓፍትን ካልእን ዘጠቓልል ግሩም ትሕዝቶታት እዩ ቀሪቡ።
ኣብ’ቲ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ኩሉ ዝቐረበ ትሕዝቶታትን መሰናድኦታትን ገምጋማዊ ጽሑፍ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብዛዕባ ክግበር ዝግባእ ምምሕያሻት ዝርዝራዊ መግለጺ ተዋሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ብያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ከምኡ’ውን ብያታዊ ድኰና ኣባይትን መነባብሮን – ቀዳመይቲ ዞባ ማእከል፡ ብኣዳራሽ ምርኢትን ያታዊ መሳርሒ ሙዚቃን – ቀዳመይቲ ዞባ ደቡብ፡ ብኣፋዊ ያታ ድማ ቀዳመይቲ ዞባ ዓንሰባ ብምዃን ክሽለማ እንከለዋ፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ንዝተዓወቱ መተባብዒ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ።