ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ 179 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም ቅጥዕታት ዘማልኡ 750 ተወለድቲ ዛግር፡ ብ30 መጋቢት መሬት ጤሳ ተዓዲሎም።

ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዓዲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል፡ ነቲ መስርሕ ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣባላት ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል ኣብ ምጽፋፍ’ቲ ስራሕ ንዘካየዱዎ ዕማም ሞጒሱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል፡ ኣቶ መኮነን ማኢል ድማ፡ ኣብ ዛግር ዕደላ መሬት ጤሳ ናይ ፈለማ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ግቡእ መዓላ ከውዕዎ ኣዘኻኺሩ።

መሬት ጤሳ፡ ክሽየጥ፡ ክልወጥ ይኹን ብመልክዕ ውህብቶን ውርሻን ክመሓላለፍ ብሕጊ ከምዘይፍቀድ ዝጠቐሰ ኣቶ መኮነን፡ እቲ ዝተዳለወ መሬት እንተላይ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝውዕል ቦታ ስለዘለዎ፡ ምዕቡል ትሕተ-ቅርጺ ዘጠቓልል ርእሰ-ውጥን ተዳልዩሉ ምህላዉ ገሊጹ።

ድሕሪ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዓድታት ጽሓፍላምን ኣፍደዩን እውን መሬት ጤሳ ክዕደል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ መስርሕ ዕደላ መሬት ጤሳ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብበለዛ ከም እተጀመረ፡ ሰነዳት ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል የረድእ።

Categories